ሓሙስ, 02 ለካቲት 2012
ጸረ-ሽበራ ሕጊ ኢትዮጵያ፡ ንሓሳብካ ምግላጽ ይዕፍን ከይህሉ ኣመሪካ ተሻቒላ
ኣንጻር ጋዜጠኛታት ዝተወስደ ሰፊሕ ስጉምቲ ዳግም ክግምገም ተስፋ ንገብር ይብሉ ምኽትል ምንስተር ወጻኢ ኣመሪካ ዊልያም በርንስ
ኣተገባብራ ጸረ-ሽበራ ሕጊ ኢትዮጵያ ንናጽነት ፕረስ ይዕፍን ከይህሉ ሻቕሎትና ገሊጽና`ለና
ኣብ ኣፍሪቃ ዑደት ክገብሩ ዝቐነዩ በዓል-ስልጣን ኣመሪካ ዊልያም በርንስ ፡ዝሓልፈ ሰሙን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተኻየደ ጉባኤ ሕብረት ኣፍሪቃ ድሕሪ ምስታፎም፡ ንጋዜጠኛታት መግለጺ ሂቦም ኔሮም።
ንሶም ኣብ ዘረበኦም “ኣመሪካ ሓሳብካ ብናጻ ናይ ምግላጽ መሰል ክኽበር ዘለዋ ጽኑዕ እምነት ምስ ቀ/ሚ መለስ ዜናዊ ኣብ ዝተራኸብናሉ እዋን ኣስሚረሉ ኣለኹ” ኢሎም።
ኣስዒቦም “ኣተገባብራ ጸረ-ሽበራ ሕጊ ኢትዮጵያ ንናጽነት ፕረስ ይዕፍን ከይህሉ ሻቕሎትና ገሊጽና`ለና” ኢሎም።
ንምሉእ ትሕዝትኡ ኣብ ምልክት ድምጺ ጠውቑ፡
Audio Archive>>
VOA 60 - Africa
To view our site properly you may need to install the Geez font : Download Now
If you are still having problems viewing our site you may need to change your browser settings. FAQ: Update Browser Settings