ወታሃደራዊ ሓይልታት ኬንያ  ናብ ድልዱል ዕርድታት  አልሸባብ  ቅድሚ ምድፍኦም ኣብቲ  አቀዲሞም ዝሓዝዎ  ከባቢታት  ዘላቂ  ሰላም ከረጋግፁ ከምዝግባእ ገሊፆም።

ኣብ ሓይልታት ምክልኻል ኬንያ ብርጋዴር  ጆንሰን  አንዲክ ፣ ኬንያ ከም ታብዳ ዝበሉ ኣብ ምብራቅ ዝርከቡ  ዓበይቲ  ዕርድታት አልሸባብ ሰላምን ኣብ ምርግጋፅ'ያ  አትኩራ ዘላ ኢሎም።

ብርጋዴር ጆንሰን አንዲክ  ኣተሓሒዞም " እቲ አዝዩ አገዳሲ ነገር ቅድሚ ምድፋእና  ሰላም'ቲ  ድሮ ሓራ ዘውፅእናዮ ከባቢታት ብኸመይ ከነረጋግፅ ዝብል'ዩ። ኣብ ቀረባ ኸአ ኪስማዩ ክንአቱ ኢና" ኢሎም።

 

ሙሉእ ትሕዝትኡ ንምስማዕ  ናብ ምልክት ድምፂ ብምኻድ ጠውቁ