ዓርቢ, 27 ነሓሰ 2010
ዓረና ትግራይ ካልኣይ ውድባዊ ጉባኤኡ የካይድ
ዓረና ትግራይ ንዴሞክራስን ሉኣላውነትን ካልኣይ ውድባዊ ጉባኤ ነሓሰ 21-22/2002 ዓ/ም ኣብ ኣዳራሽ ሰቲ ሆቴል ከተማ መቐለ ኣካይዱ’ሎ
ስእሊ Girmay Gebru
Arena meeting
እቲ ጉባኤ ኣብ መኽፈትን መዕፀውን ንጋዜጠኛታት ኣሳቲፉ ብዕፅው ዝተኻየደ’ዩ፡፡
ተሳተፍቲ እቲ ጉባኤ ምስ መድረኽ ዝተፈጠረ ሃገራዊ ምትሕብባር ናብ ዝላዓለ ብርኪ ክድይብ ክዝተየሉን ክፀድቕን ከምዝግበር ኣቦ ወንበር እቲ ውድብ ኣይተ ገብሩ ኣስራት ኣብ መኽፈቲ እቲ ኣኼባ ተዛሪቦም፡፡
ኣብ ህንፃን መምርሕን ዓረና ዝመሓየሹ ትሕዝቶታት እንተሃልዮም’ውን ተሳተፍቲ ከምዝዛራረብሉ መግለፂ ኣይተ ገብሩ ይነግር፡፡
‘ዓረና ዴሞክራሲያዊ ኮይኑ ንኽቕፅል ዝመፆ ዘሎ ኩሎም ፀገማት ተፃዊሩ ክኸይድ እዚ ጉባኤ’ዚ ፀርዩን ጠንኪሩን ክኸይድ ኣለዎ’ ኢሎም ኣይተ ገብሩ፡፡
እቲ ጉባኤ ንሓዋሩ ናፅነት ዝኸፍት ጉባኤ ከምዝኸውንን ነዚ’ውን ፍፁም ከምዘይጠራጠሩን ኣቦ ወንበር ዓረና ኣይተ ገብሩ ዘለዎም እምነትን ተስፋን ገሊፆም፡፡
- Listen to Report on Arena Tigray
ኤም-ፒ 3
Audio Archive>>
www.voanews.com
VOA 60 - Africa
To view our site properly you may need to install the Geez font : Download Now
If you are still having problems viewing our site you may need to change your browser settings. FAQ: Update Browser Settings